Skip to content

Booksellers & Trade Customers: Sign up for online bulk buying at trade.atlanticbooks.com for wholesale discounts

Booksellers: Create Account on our B2B Portal for wholesale discounts

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን" -"Covenant between Medhn & Alganesh": ካ&#

by Menghis Tesfay
Save 17% Save 17%
Current price ₹2,310.00
Original price ₹2,772.00
Original price ₹2,772.00
Original price ₹2,772.00
(-17%)
₹2,310.00
Current price ₹2,310.00

Imported Edition - Ships in 18-21 Days

Free Shipping in India on orders above Rs. 500

Request Bulk Quantity Quote
+91
Book cover type: Paperback
  • ISBN13: 9780578684246
  • Binding: Paperback
  • Subject: N/A
  • Publisher: Tesfay Menghis Ghebremedhin
  • Publisher Imprint: Tesfay Menghis Ghebremedhin
  • Publication Date:
  • Pages: 492
  • Original Price: USD 24.99
  • Language: Tigrinya
  • Edition: N/A
  • Item Weight: 717 grams
  • BISAC Subject(s): Literary

ኣብ ቀዳማይቲ መጽሓፍ፣ እቲ ኹሉ ስግንጢር ጠባይን፣ ባህርን፣ ህልኽን፣ ትርን ናይዞም ክልተ ተጻያት ተደማሚሩ፣ ናብ ገበን፣ ናብ ፍርዲ፣ ናብ ምብትታንን፣ ማእሰርትን ሓደጋን ኣብጺሑ። እቲ ሽግር ግን፣ በዚ ኣብ "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን" ዝተኸሰተ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣየብቀዐን። ንሱ እቲ ዝነኣሰ ሳዕቤኑ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣" እቲ ዝኸፍአን ዝገደደን ሳዕቤናቱ፣ ብዝርዝር ክኽሰትን ክቕላዕን ኢዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ዝወልዕዎ ሓዊ ስለ ዘይተማህሩ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝቕጽል ዛንታ፣ ካብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስንክልና፣ ናብ ማዕረ ሞትን፣ ቅትለትን፣ ዘይወጽእ ጓህን ሓዘንን ኢዮም ወዲቖም። ኣንስቶምን፣ ደቆምን፣ ስድራ ቤቶምን ከኣ ኢዮም፣ ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ዕብዳን'ዚ ዝኾኑ።

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣"

  • ዛንታ ተስፎምን፣ ቅንዕናኡን፣ ድኽመታቱን፣ ፈተናታቱን፣ ከምኡ ኸኣ ዛንታ ብድሆኡን ስቓዩን መወዳእታኡን ኢዩ።
  • ከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ ነብሰ-ፍትወትን፣ በለጽን፣ ስስዐን፣ ዓመጽን፣ ጥልመትን ሃብቶምን ኣልማዝን'ውን ኢዩ።
  • ብተወሳኺ፣ ዛንታ ልቦናን፣ ፍቕርን፣ ሓልዮትን፣ ጽንዓትን፣ ተወፋይነትን መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ ኢዩ።
  • ከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ምእንቲ ፍቕሪ ዝተሳቐዩን፣ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን፣ ብሩኽን ክብረትን'ውን ኢዩ።
  • ብዓቢኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ኣብነት ፍትሕን፣ ልቦናን፣ ዕብየትን፣ ክብርታት ወለድናን ሕብረተሰብናን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ሰልጠነን፣ ወሳኒ ተራኦምን፣ ሓልዮቶምን፣ ሓድጎምን ኢዩ።

እምበኣር፣ እዞም ኣብዘን ናይ 30 ዓመታት ዛንታ ጉዕዞ ህይወት ዝትርኻ ክልተ መጽሓፍቲ፣ "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን፣" ከምኡ ኸኣ፣ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣" ዝተሃንጹ ገጸ ባህርያት፣ ነዚ'ዮም ከንጸባርቑን ከሰጋግሩን ዝህቅኑን ዝጽዕቱን።

Tesfay, Menghis: - ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ ኣብ 1970 ብሞያ ፋርማሲ ድሕሪ ምምራቑ፣ ኣብ ፋርማሲ ካቴድራል ኣስመራ፣ ነ'45 ዓመት፣ ብሞያኡን ብናይ ስነ-ቅመማ ንጥፈታቱን ኣገልጊሉ። ሓደ ካብ ገዳይም መስረትን መራሕትን ፋርማሰቲካዊ ማሕበር ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን፣ ኣብ ጋዜጣን ሬድዮን ቴሌቪዥንን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዩትዩብ፣ ቃለ መሕትታትን ምኽርታትን ኣስተምህሮታትን ኣቕሪቡ። በዓል ሓዳርን፣ ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳትን ኢዩ። ኣብ 2019 "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን፣" ኣብ 2020 ከኣ፣ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን" ዘርእስተን መጻሕፍቲ ደሪሱን ኣሕቲሙን።

Trusted for over 48 years

Family Owned Company

Secure Payment

All Major Credit Cards/Debit Cards/UPI & More Accepted

New & Authentic Products

India's Largest Distributor

Need Support?

Whatsapp Us