Skip to content

Booksellers & Trade Customers: Sign up for online bulk buying at trade.atlanticbooks.com for wholesale discounts

Booksellers: Create Account on our B2B Portal for wholesale discounts

መጋርያ Megarya

by Asres Isak , Efrem Habtetsion , Freminatos Estifanos
Save 1% Save 1%
Current price ₹2,899.00
Original price ₹2,940.00
Original price ₹2,940.00
Original price ₹2,940.00
(-1%)
₹2,899.00
Current price ₹2,899.00

Imported Edition - Ships in 18-21 Days

Free Shipping in India on orders above Rs. 500

Request Bulk Quantity Quote
+91
Book cover type: Paperback
  • ISBN13: 9789994801862
  • Binding: Paperback
  • Subject: N/A
  • Publisher: Hdri Publishing
  • Publisher Imprint: Hdri Publishing
  • Publication Date:
  • Pages: 496
  • Original Price: USD 30.0
  • Language: Tigrinya
  • Edition: N/A
  • Item Weight: 658 grams
  • BISAC Subject(s): Africa / General

ንሰላሳ ዓመታት ዝኸርተተ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዕለት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ደቒቕ'ውን፡ እጹብ ድንቂ ታሪኽ መዝጊቡ'ዩ ሓሊፉ። ዝተሰግረ ጽንኵር መድረኻት፡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ሃልክን ሃለኽለኽን፡ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ ዝተመዝገበ ዓወት፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጉዕዞ ምዃኑ ብሩህ'ዩ። እዚ ጸዊኻ ዘይነጽፍ ታሪኽ'ዚ፡ "ብሓቂ ብደቂ ሰባት ድዩ ተፈጺሙ!" ኢልካ፡ ንምእማኑ ዘጸግም ታሪኽ ብዝግባእ ተተሪኹዶ? ንዝብል ሕቶ፡ ጌና ግቡእ ምላሽ ዝረኸበ ኣይመስንን። ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ ዝፈጸሞ ማእለያ ዘይብሉ ቃልሲ ኣሎ። ይዅን'ምበር፡ ዋናታቱ "ነጊሮምዶ?" "ተዛሪቦምዶ?" እቲ ፍጻመታት ኣይተነግረን ኢልካ ኣሕጺርካ ምምላሱ ይከኣል። ታሪኽ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብማእለያ ዘይብሎም ኣደነቕቲ ታሪኽ ዝተነድቀ ስለ ዝዀነ፡ ኣፍካ ክትከፍት ወይ ብርዕኻ ከተድንን ዝደፋፍእ ትሕዝቶ ኣለዎ። እሞኸ ደኣ፡ ተሪኽና'ዶ? ጽሒፍና'ዶ? ነጊርና'ዶ? ኢልና ንነብስና ኣብ እንሓተሉ፡ ሕጂ'ውን ከምቲ ዝድለ "ኣይተረኽናን፡ ኣይጸሓፍናን" ተባሂሉ ሓጺር መልሲ ክወሃቦ ይከኣል።

ስለምንታይ'ዩ ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ፡ ካብ ምትራኽን ምዝራብን ትም መሪጹ ዝጓዓዝ ዘሎ? ንዝብል ሓፈሻዊ ሕቶ መልሲ ክወሃቦ ጽቡቕ'ዩ። እቲ መልሲ ኸኣ፡ "ኣነ ከምዚ ገይረ" ካብ ዝብል ስክፍታ ዝነቅል ይመስለኒ። እዚ ልምዲ'ዚን ናይ ምጽሓፍ ብቕዓትን ተበግሶ ዘይምህላውን ተደሚሩ ክርአ እንከሎ፡ ታሪኽና ምስ ነፍሲ-ወከፍ ስዉእ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐቢሩን ይቕበር ኣሎን። ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ህልውን መጻኢን ወለዶ፡ ካብ ፈጸምቲ ታሪኽ ክረኽቦ ዝኽእል ዝርዝር ታሪኽ እናተወሰነ ምኻዱ ዝፈጥሮ ስክፍታ መዘና ከም ዘይብሉ፡ ዳርጋ ኩላትና እንሰማምዓሉ ነጥቢ'ዩ።

Trusted for over 49 years

Family Owned Company

Secure Payment

All Major Credit Cards/Debit Cards/UPI & More Accepted

New & Authentic Products

India's Largest Distributor

Need Support?

Whatsapp Us